ብዛዕባ ኤጀንሲ ክራይ ኣባይቲ ስቶክሆልም

ኤጀንሲ ኣባይቲ ክራይ ስቶክሆልም (Bostadsförmedlingen) ኣብ ምሉእ ከባብታት  ስቶክሆልም ካብ ናይ ምምሕዳር ከተማን ውልቃውያን በዓል-ንብረትን መንበሪ ኣባይቲ ዘመቓርሕ ትካል ምምሕዳር ከተማ እዩ። ኣብ  ዓመት ኣስታት 20,000 መንበሪ ኣባይቲ ነከራዪ ኢና፣ እንተኾነ ግን ዝዀነ ይኹን ኣባይቲ ኣይሃንጽን ወይ ኣይውንን እዩ።

ኤጀንሲ ኣባይቲ ክራይ ስቶክሆልም - ከመይ ይሰርሕ

ኤጀንሲ ክራይ ኣባይቲ ስቶክሆልም ኣብ ስቶክሆልም ጥራይ ናይ ክራይ ኣፓርትመንታት ምስ እትደልዩ ክተመልክቱ ይሕግዘኩም፡፡ እቶም ኣባይቲ ኣብ ግዜ ሰልፊ ብዝተመስረተ ስርዓተ-ሰልፊ እዮም ዝምቀሑ። ንሓደ መንበሪ ገዛ ንምምልካት፡ ኣብ ሰልፊ መንበሪ ገዛ ክትምዝገቡ ኣለኩም።

መን ኣብ ሰልፊ መንበሪ ገዛ ክምዝገብ ይኽእል?

ዝዀነ ዕድሚኡ 18 ዓመት ዝመልአን ቁጽሪ መለለይ መንነት ሽወደን (personnummer) ወይ ቁጽሪ መተሓባበሪ (samordningsnummer) ዘለዎን ሰብ ኣብ ሰልፊ መንበሪ ገዛ ክምዝገብ ይኽእል። ኣበይ ከም ትነብር ከምዝነበርካ ወይ ድማ ድሮ መንበሪ ገዛ ይሃልውካ ኣይሃልውካ 
ኣገዳሲ ኣይኮነን።ግን ምስ ተመዝገብካ ኣብ ሰልፊ መንበሪ ገዛ ክትስራዕ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ንኣፓርትመንታት ክተመልክትን ንዝደለካዮ  መንበሪ ኣባይቲ ክተመዝግብ ትኽእል፡፡ ኣብ ሰልፊ መንበሪ ገዛ ንክትምዝገብ ኣብ ዓመት 200 ክሮነር ሽወደን (SEK) ይኽፈል።

ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣባይቲ

ኤጀንሲ ክራይ ኣባይቲ ስቶክሆልም ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣፓርትመንታት ኣለዉዎ። መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ዝዀነ መንበሪ ኪራይ ገዛ ዝሓትት ሰብ ከመልክተሎም ይኽእል እዩ፡፡ ገለ ኣፓርትመንታት ግን ክከም ኣድላይነቱ ንፍሉያት ጉጅለታት ጥራሕ ዝፍቀዱ ክኾኑ ይኽእሉ  እዮም።ንኣብነት፡-

  • መንበሪ ገዛ ተማሃሮ:-ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ሞያውያን ኮሌጅ ንዝመሃሩ።
  • መንበሪ ገዛ መንእሰያት: ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 25 ዓመት ንዝኾኑ።
  • መንበሪ ገዛ ዓበይቲ ዕድመ: ዕድሚኦም 55 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ንዝኾኑ።
  • ውዕል ንሓጺር ግዜ:- ውሱን ናይ ምንባር ግዜ ዘለዎ ውዕል። ውዕል ንሓጺር ግዜ እንተ ተዋሂቡኩም ነቲ ዘዋህለልኩሞ ግዜ ሰልፊ ትሕዝዎ።

ንኣባይቲ ብንጥፈት ኣመልክቱ

ነቶም ኣብ ወብሳይትና ዝተዘርግሑ ጥራይ ዝኾኑ ኣባይቲ ባዕልኹም ከተመልክቱ ኣለኩም። ነፍሲ ወከፍ ምልክታ ብዛዕባ እቲ መንበሪ ገዛን ረቋሒታት እቲ በዓል ገዛን ዝርዝራዊ ሓበሬታ የጠቓልል። ናብ ሕሳብኩም ምስ ኣተኹም ድሌትኩም ኣብቲ ምልክታ ብቐጥታ ከተመዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም። ክንደይ ንጡፋት ትኾኑ ንማዕርኡ ዕድል ክህልወኩም ይኽእል እዩ፡፡

መንበሪ ገዛ ንምርካብ ክንደይ ይወስድ?

እቲ ዝወስዶ ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ ረቋሒታት ይምርኮስ፣ ከም ኣብነት ኣበይ ክትነብሩ ከም ትደልዩን ክንደይ ክራይ ክትከፍሉ ፍቓደኛታት ምዃንኩምን የጠቃልል። ማእከላይ ግዜ ሰልፊ ትሽዓተ ዓመት እዩ፣ እንተኾነ ግን ካብዚ ክሓጽር ወይ ክነውሕ ይኽእል እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከል ስቶክሆልም ወይ ኣብ ከባቢኣ ንዘለዉ ኣባይቲ ዝወስዶ ግዜ ሰልፊ ምስቶም ካብ ከተማ ቅሩብ ርሒቖም ዝርከቡ ቦታታት ክወዳደር እንከሎ ዝነውሐ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ዋና ነገር ግን ብቕድሚያ ኣቀራርባ ርትዓዊ ምኽንያታት ጥዕና ወይ ማሕበራዊ ጸገማት እንተልዩ ኣብቲ ሰልፊ ቅድሚያ ንኽወሃበኩም ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። እንተኾነ ግን ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም ነቲ ቅድሚያ ንምርካብ ዘድሊ ረቋሒታት ዘማልኡ።

መንበሪ ገዛ ከመይ ትረክብ

ኣብዚ ብኣና ኣቢልኩም ከመይ ገይርኩም መንበሪ ገዛ ከም ትረኽቡ ቀስ ብቀስ ኣቅሪብናዮም ኣለና፡-
ሓደ ኣፓርትመንት ንምድላይ መጀመርታ ከም ኣመልካቲ መንበሪ ገዛ ተመዝጊብካ ክትፀንሕ ኣለካ። ኣብ ወብሳይትና ክትምዝገብ ትኽእል ኢካ ፣ ንምዝገባ ድማ e-ID ክትጥቀም ናይ ግድን የድልየኩም እዩ። 
e-ID ክትጥቀሙ እንተ ዘይኪኢልኩም ናብ ኣገልግሎት ዓማዊልና ደዊልኩም ክሕግዙኹም ይኽእሉ እዮም።

1. ንኣፓርትመንት ኣመልክቱ

ኣብ ወብሳይትና ኣብ ትሕቲ Lediga bostäder ዝብል ርእሲ ነቶም ምልክታታት ክትፍትሾም ትኽእል ኢካ። ኣብዚ ብዝግባእ ብምድላይን እቲ ትደልዮ  ኣብ ዝተፈላለዩ ረቋሒታት ብምምስራት ክትመርፅ ትኽእል ኢካ፣ ብመሰረት እዚ  ኸኣ ነቶም ንዓኻ  ጥራይ ዝምልከቱ ኣባይቲ ብቐሊሉ ክትረክብ ይሕግዘካ። 

ብመሰረት እዚ ድልየትኻ  ንምምዝጋብ ናብ ሕሳብኩም ክትኣትዉ ትኽእል ኢካ። ንመስርሕ ምምልካት ኣብ Mina sidor ክትከታተል ትኽእል ትኽእል ኢኻ። ኣፓርትመንታት እንተኾይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ 3–7 መዓልታት እዮም ዝንገሩ።

2. ኬድኩም ድሌትኩም ኣረጋግጹ

ኣዝዩ ድልየት ዘለኩምን  ዝነውሐ ግዜ ኣብ ትፅቢትዝበርካ ኣመልካቲ  እንተኮይንካ እቲ ናይ ምምልካት ግዜ ምስ ተወድአ ነቲ እትደልዮ መንበሪ ክትምልከት ወይውን ክተረጋግፅ ናይ ዑደት ዕድመ ክመፀልካ ይኽእል እዩ። 
ገለ በዓል-ኣባይቲ እቲ ኣፓርትመንት እተዋህቦ ሰብ ቅድሚ ውዕል ምፍራሙ ነቲ ገዛ ርእይዎ ክኸውን ይደልዩ እዮም። 
ስለዚ ነቲ ንስካ ዝደለኻዮ መንበሪ ገዛ ዝምልከት ረቋሒታት ምንባብን ምርግጋፅን ኣገዳሲ እዩ።
ድሕሪ እቲ ዑደት ነቲ መንበሪ ገዛውቲ ዘለካ ድልየት ክተረጋግፅ ኣለካ። እቲ ዝቐለለ መገዲ፡ ብመንገዲ Mina sidor (ናተይ ገጻት) ኮይኑ ኣብኡ "እወ" ወይ "ኣይፋል" ኢልኩም ክትምልስ ትኽእሉ  ኢኹም።
ሓደ ሓደ ግዜ ብፍላይ ኣብ ሓደስቲ ህንጻታት፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ምርጫ ክቐርበልኩም ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ብመሰረት ቅደም ተኸተል ምርጫኹም  ክትምዝገብ ምስ ዝመላእኻዮ ቅጥዒ ከተረጋግፆ ኣለካ። እቲ እትምልሰሉ ናይ ግዜ ገደብ ኣብቲ እዋን ዑደት ተገሊፁ ክፀንሓካ እዩ፡፡ 

3. ናይ መንበሪ ገዛ ዕድመን ምስክር ወረቐትን

ረቋሒታት እቲ በዓል ገዛ እንተ ኣማሊእኩምን ዝነውሐ ግዜ ትፅቢት እንተ ሃልዩኩምን  ምስ መምርሒታት ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ስጕምቲ ናይ መንበሪ ገዛ ዕድመ ክመጻኩም እዩ። 
ድሕሪኡ ነቲ ሓበሬታኹም ዘረጋግጹ ሰነዳት ክትሰድድ ኣለካ። ስለዚ ኣብ Mina sidor (ናተይ ገጻት) ዘሎ ሓበሬታ (ናይ መራኸቢ ዝርዝር፣ ኣታዊ፣ ኣስራሒ፣ ወዘተ) እዋናዊ ምዃኑ ከተረጋግፅ ኣለካ።

4. ውዕል ፈርሙ

ነቲ ምስክር ወረቃቅትካ ሰዲድካ  ተቐባልነት ምስ ረኸብካ ሓበሬታኹም ናብቲ በዓል ገዛ ንሰዶ እሞ ከም ተኻራዪ ንዓኹም ንቕርብ። እቲ በዓል ገዛ እንተ ተቐቢሉኩም ውዕል ክትፈርሙ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ውዕል ምስ ተፈረመ ግዜ ትፅቢት ገዛውትካ  ናብ ዜሮ ይምለስ፣ እንተኾነ ግን ዓመታዊ ክፍሊት ክሳብ ዝኸፈልኩም ብኣውቶማቲክ ኣብቲ ት ትጸንሑ ኢኹም። ኣብ ገለ ኩነታት ግዜ ሰልፍኹም ክትሕዝዎ ትኽእሉ ኢኹም። 
እዚ ዝምልከት እቲ ውዕልኩም ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ዓይነት ኣባይቲ እንተ ተዛሚዱ እዩ፦

  • መንበሪ ገዛ ዓበይቲ ዕድመ
  • መንበሪ ገዛ ተማሃሮ
  • መንበሪ ገዛ መንእሰያት
  • ውዕል ንሓጺር ግዜ

Mina sidor (ናተይ ገጻት)

ኣብ Mina sidor (ናተይ ገጻት) ነቶም ድሌትኩም ዘርኣኹምሎም ኣባይቲ ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ'ውን ብዛዕባ ግዜ ሰልፍኹምን ዓመታዊ ክፍሊትን ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ ከምኡ'ውን ውልቃዊ ሓበሬታኹም ከተሐድሱ ትኽእሉ ኢኹም። Mina sidor (ናተይ ገጻት) ንምጥቃም ናብ ሕሳብኩም ክትኣትዉ ኣለኩም።

ናብ ሕሳብ ምእታው (Logging in)

እቲ ዝቐለለን ውሑስን ናይ ምእታው መገዲ ብ e-ID (BankID ወይ Freja eID+) እዩ። 
e-ID እንተ ዘይብልኩም ብኢመይል ኣድራሻን ናይ ምስጢር ቃልን (password) ሓድሽ ሕሳብ ክትፈጥሩ ትኽእሉ ኢኹም።

Contact details (ናይ መራኸቢ ዝርዝር)

ኣገልግሎት ዓማዊል
ተሌፎን፦ 08-785 88 30
ኢ-መይል ፦ kundservice@bostad.stockholm.se

ኣድራሻ ጶስጣ
Bostadsförmedlingen i Stockholm AB
Box 7026
121 07 Stockholm-Globen