ናይ ኣባይቲ ምምሕዳር ወኪል - ኣሰራርሕኡ

ኣብ ምምሕዳር ወኪል ኣባይቲ (ቦስታድስፎርምድሊንግን) ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ንክራይ ዝኸውን ነጻ ገዛውቲ ንምርካብ ክትሓትት ትኽእል። እቲ መንበሪ ገዛውቲ ብመሰረት እተሰርዓሉ ግዜ መስርዕ እዩ ዝወሃብ። ንመንበሪ ገዛውቲ ንኽትሓትት፡ ኣብ ናይ ኣባይቲ ሪጋ ክትምዝገብ ይግብኣካ።

ናይ ኣባይቲ ምምሕዳር ወኪል - ኣሰራርሕኡ

ንናይኣባይቲመርከቢመስርዕመንክምዝገብይኽእል?

ዝኾነ ሰብ 18 ዕድመ ዝገበረ ወይ ድማ ልዕሊኡ፡ ከምኡ ድማ ናይ ሽወደን ቁጽሪ ወረቐት (ፕርሶኑምር) መንነት ዘለዎ፡ ናይ መስርዕ ቁጽሪ (ሳሞርድንግስኑመር) ድማ ዘለዎ ንኽምዝገብ ጸገም የብሉን። ኣበይ ትነብር ወይ ድማ ኣበይ ትነብር ኔርካ ዘገድስ ኣይኮነን። ልክዕ ድሕዚ ምምዝጋብካ፡ ናይ መስርዕ ግዜኻ ምቑጻር ይጅምር። ድሕርዚ፡ ኣብቲ ኣባይቲ ናይ ምሕታት ምድላይን መስርሕ ትጅምር። ኣብቲ ኣባይቲ ንኽትነብር ንዓመት ክሳዕ 200 SEK ይበጽሕ። 

ዝተፈላለዩ መንበሪ ኣባይቲ

ምሳና ንእተፈላለዩ ዓይነታት ናይ መንበርን ኣድራሻታትን ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ዩኒቨሲቲ ኮነ ኮለጃት ወይ ድማ ናይ ሞያ ትምህርታት ትመሃሩ እንተሊኹም፡ ናይ ተማሃሮ መንበሪ ኣባይቲ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳዕ 25 ዘለኹም መንእሰያት፡ ናይ መንእሰያት መንበር ኣባይቲ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቶም ካብ ክሊ ዕድመ 55 ወይ ድማ ንላዕሊ ዘለኹም ድማ፡ብፍሉይ ብዓበይቲ ተባሂሉ ክንክን እተገብረሉ ኣባይቲ ከኣ ንህብ። ንሓጸርቲ ኮንትራክታት፡ ንግዝያዊ ዝኾነ ኣባይቲ ሪጋኹም እናተጸበኹም እንከለኹም ውን ይህብ።

ብቕልጡፍንመንበሪኣባይቲሕተቱ

ባዕልኹም ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታና፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዘለኩም ተገዳስነትን ክተፍልጡናን ንኽትሓቱን ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ መወዓውዕዒና ብዛዕባ እቲ ኣባይትታት፡ ዝርዝር ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ነፍስወከፍ መወዓውዕዒ፡ እቶም ወነንቲ ኣባይቲ ንተኻረይቲ ገዝኦም ዘቕርብዎ ቅጥዕታት ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ መወዓውዒታት፡ ንዘሎካ ድሌታት ንምምላእ ክትምዝገብ ኢኻ። ድሌታትካ ንምምላእ ንክትምዝገብ፡ መጀምርታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክትኣቱ ኣሎካ ኩሉ ግዜ ክርሳዕ ዘይብሉ ነገር፡ መጠን ትግሃትካ ኣብ ኣባይቲ ብዝለዓለሉ መጠን፡ ኢዩ ኣባይቲ ናይ ምርካብ ዕድልካ ዝዓቢ።

መንበርኣባይቲንምርካብክንደይዝኸውንግዜይወስድ?

ኣብ ስቶክሆልም ናይ መንበር ኣባይቲ ሕጽረታት ስለ ዘሎ፡ ብኣና ኣቢልካ ገዛ ክሳዕ እትረክብ ክትጽበ ኢኻ። ቀልጢፍካ መንበር ኣባይቲ ንኽትረክብ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከም በዓል፥ ኣበይ ክትነብር ትደሊ፡ ክንደይ ዝኾኑ ሰባት ኣብቲ ቦታ ንኽነብሩ ድሌት ኣለዎምን ማዕረ ክንደይ ኢኻ’ኸ ክራይ ንኽትከፍል ተዳሊኻ ዘሎኻ ዝኣመሰሉ እተመርኮሰ እዩ።

ዝበዝሑ ሰባት መንበር ኣባይቲ ናይ ንምርካብ ዝጽበይዎ ግዜ ካብ 7 ክሳዕ 11 ዓመታት ኣቢሉ ይበጽሕ፡ ግን ከኣ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ግዜ ወይ ክነውሕ ወይ ድማ ክሓጽር ይኽእል እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ማእከል ናይ ከተማ እተደኮነ ወይ ድማ ጥቓ ሓውሲ ከተማታት መንበር ኣባይቲ ምስ እትደሊ፡ ካብ ኣብ ስቶክሆልም ወጻኢ ርሒቑ ዝርከባ መንበር ኣባይቲ ዝነውሐ ግዜ ትጽበ ማለት’ዩ።