መንበሪ እትረኽበሉ መንገዲ

እቲ መስርሕ ከምዚ ኢዩ

መራኸቢ መንበሪ (Bostadsförmedlingen) ኣብ ሙሉእ ዞባ ስቶክሆልም ዝካረ ገዛ የራኽብ ኢዩ። ናትና ዕዮ ነጻ ንዝኾኑ ዝካረዩ ገዛውቲ ብመስርዕ ምርኻብ ኢዩ። ብሪጋን ብመስርዕን።

መኣልታዊ ልዕሊ 40 ዝካረዮ ገዛውቲ ነራኽብ። ኣብዚ ጽሕፈት እዚ፣ ብመገድና መንበሪ ክትረክብ እቲ መስርሕ ከመይ ምዃኑ ሕጽር ብዝበለ ተገሊጹ ኣሎ።

1. ኣብ መስርዕ ኣባይቲ ተመዝገብ

ኩሎም 18 ዓመት ዝመልኡ፣ መለለዪ ቁጽሪ ሽወደን (personnummer) ወይ ድማ መካየዲ ቁጽሪ (samordningsnummer) ዘለዎም፣ ኣብቲ ናይ ገዛ መስርዕ ክምዝገቡ ይኽእሉ ኢዮም። ነዚ ኣብ bostad.stockholm.se ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ዋግኡ ንዓመት 200 ክሮኖር ኢዩ።

ምሳኻ ብሓባር ኮይኑ ዘመልክት ደሪብካ ከተመዝግብ ትኽእል ኢኻ።

2. ገዛ ኣናዲ፣ ተገዳስነት ንዝገበርካሉ ድማ ኣመዝግብ

ካብ ሞዕከል እተን ኣብቲ ናትና መርበብ ሓበሬታ ዝወጽኣ ነጻ ዝኾና ገዛውቲ ባዕልኻ ከተናዲ የድልየካ፣ ነተን ዝተገደስካለን ድማ ተገዳስነትካ ተመዝግብ። ነቲ Lediga bostäder (ገዛ ድለ) ዝብል ብምጥዋቕ ነጻ ንዝኾና ገዛውቲ ክትርእይ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታና ኣብ Mina Sidor (ናተይ ገጻት) ብምእታው መዝገብ ተውጽእ። ድሕሪኡ ነተን ትግደሰለን ነጻ ዝኾና ገዛውቲ ተገዳስነትካ ተመዝ ግብ።

እቲ ኣካራይ ገዛ ነቲ ክራይ ብዝምልከት ዝተፋላለዩ መስፈርትታት ከቐምጥ ይኽእል ኢዩ:- ንኣብነት ዝተ ወሰነ ደረጃ ዕቶት። ገሊኦም ብሶሻል ንእትረኽቦ ሓገዝ ዝቕበሉ ኣለዉ።

ኣብ ሓደ እዋን እንተበዘሐ ሰለስተ ምዝገባ ተገዳስነት ክትገብር ኢዩ ዝፍቀደካ።

መብዛሕትኡ እዋን ገዛ ቅድሚ ምርካብካ ቁሩብ ጊዜ ኣብ መስርዕ ክትጸንሕ የድሊ ኢዩ። ኣብ መስርዕ እትጸ
ንሓሉ ጊዜ ከም ኩነታቱ ከምኡ እውን ክራይ ክንድ ምንታይ ክትከፍል ትኽእል ይፋላለ ኢዩ።

እቲ ገዛ ካብ ማዕከላይ ስቶክሆልም እናረሓቐ ክከይድ እንኮሎ፣ እቲ ክራይ እውን እናለዓለ ክኸይድ እንኮሎ፣ እቲ ኣብ መስርዕ እትጸንሓሉ ጊዜ መብዛሕትኡ እዋን እናሓጸረ ይኸይድ።

3. ንገዛ ረአ

ተገዳስነት ኣመዝጊብካ ካብቶም ነዊሕ ጊዚ ኣብ መስርዕ ዝጸንሑ እንተደኣ ኮይንካ፣ ነቲ ገዛ ክትርእዮ ክትዕደም ኢኻ። ኣብ ገለ ገለ ገዛውቲ ምርኣይ የሎን። ኣብ ክንድኡ ቅርጺ ናይታ ገዛ ብካርታ ክትርኢ ይከኣል።

መብዛሕትኦም ኣካረይቲ ነቲ ገዛ ክትርእዮ ግድን ኢዩ ይብሉ።

ነተን ዘድልያ ማሰረጃታት ቀርበን ምኽንያቱ ነቲ ገዛ ክትካረዮ ፍቓደኛ ምዃንካ መስ ገለጽካ እቲ መስርሕ ፍጡን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

4. ምላሽ ሃብ

ነቲ ገዛ ምስ ረአኻዮ፣ እወ ወይ ኣይፋል ብምባል ነቲ ገዛ ትደልዮ ዲኻ ኣይትደልዮን ክትሕብር ኣሎካ። ነዚ ብዝቐለለ መንገዲ ኣብ Mina sidor (ናተይ ገጻት) ኣብ bostad.stockholm.se ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ነቲ ገዛ ክትርእዮ ዝመጽኣካ ዕድመ፣ ነቲ ገዛ ከም ትደልዮን ከም ዘይትደልዮን ክትሕብረሉ ዝግባእ ናይ መወዳእታ ጊዚ መዓስ ከምዝኾነ ይጸሓፍ ኢዩ።

ብፍላይ ሓድሽ ዝስራሕ ገዛውቲ ምስ ዝኸውን፣ ዕድመ ብዙሓት ገዛውቲ ክመጽኣካ ይኽእል ኢዩ። ሽዑ ነተን እትደልየን ገዛውቲ በቲ ትደልዮ ደረጃ ብመ ስርዕ ከተመዝግበን ይግባእ።

5. ማስረጃታት ምቕራብ

ድሕሪ ነቲ ገዛ ምርኣይ ካብቶም እወ ዝበሉ ልዕሊ ኩሎም ኣብ መስርዕ ዝጸናሕካ እነተደኣ ኮይንካ፣ ክንረኽ በኻ ኢና። ሽዑ ነተን እቲ ኣካራዪ ዝጠልበን መስፈርት ታት ከምተማልእ ዘረጋግጻ ማስረጃታት ከተቕርብ የድ ልየካ።

እተን ልሙዳት ዘድልያ ማስረጃታት ስራሕ ዝተቆጸር ካሉ ወረቐት፣ ማስረጃ ዕቶት፣ ብዛዕባ ሕጂ ትቕመ ጠሉ መንበሪ ከምኡ እውን ክንደይ ኣባላት ስድራ ቤት ከምዘሎካ ዘርእያ ኢየን።

ናይ ተመሃሮ ገዛውቲ ዘናድዩ ተማሃሮ ኣብ ኮሌጅ ወይ ናይ ሞያ ኮሌጅ ይመሃሩ ከምዘለዉ መረጋገጺ ከቕርቡ ይግባእ።

ንሕና ምስ ደወልናልካ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ተቕር በልና። ስለዚ ነተን ማስረጃታት ካብ ሕጂ ጀሚርካ ቀርበን።

6. ውዕል ፈሪምካ እቶ

ነተን መስፈርትታት ከምተማልእ ማስረጃታት ምስ ኣቕ ረብካ፣ ከም ተካራዪ ናብቲ ኣካራዪ ነቕርበካ። እቲ ኣካራዪ ምስ ዝቕበለካ፣ ምስቲ ኣካራዪ ውዕል ትፋራ ረሙ። ካብኡ ንደሓር ናብቲ ገዛ ትኣቱ።

ድሕሪኡ ዝግበር ዝኾነ ውዕል ምስቲ ኣካራዪ ኢኹም ትገብሩዎ።

ክራይ ንኣካራዪ ኢኻ ትኸፍል።

ኣብቲ ገዛ ምስ ኣቶኻ ኣብ በኣል-መዚ ቀረጽ (Skatteverket) ንዝርከብ ምዝጉብ መቐመጢ ኣድራሻኻ ምቕያር ኣይትረስዕ

7. ሓድሽ ገዛ ስለ ዝረኸብካ እንቋዕ ሓጎሰካ!

ክትፈትዎ ተስፋ ንገብር! ነቲ ዓመታዊ ክፍሊት ክሳዕ ዝኸፈልካ ኣብቲ መስርዕ ክትጸንሕ ኢኻ። እቲ ኣብ መስርዕ ዝጸናሕካሉ ጊዜ ግና ባሮ ኢሉ ኢዩ ክጅምር። እቲ ሓድሽ ኣብ መስርዕ ዝጸናሕካሉ ጊዜ ካብቲ ሓድሽ ገዛ ዝረኸብካሉ ኢዩ ዝፍቀድ።

ዝረከብካዮ ወይ ናይ ሓጺር ጊዜ ውዕል ዘለዎ፣ ወይ ናይ ተማሃሮ ገዛ፣ ወይ ልዕሊ 65 ዓመት ዝኾኑ ዝቕመጡሉ ገዛ፣ ወይ ድማ ንድሕነት ዝተዳለወ ገዛ እንተደኣ ኮይኑ እቲ ኣብ መስርዕ ዝጸናሕካዮ ጊዜ ከምዘለዎ ተጸብጺቡ ይቕጽል።