ናተይ ገጻት (Mina sidor)

ኣብ ናተይ ናይ መርበብ ሓበሬታ ገጻት(ሚና ሲዶር)፡ ድሌታትካ ክተንጸባርቐሉ እትደሊ ጉዳያት ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ናይ መስርዕ ግዜኻን፡ ናይ እትጽበየሉ ናይ ሪጋ ክፍሊት ውን ሓበሬታ ኣሎካ። ኣብ ናተይ ናይ መርበብ ሓበሬታ ገጻት፡ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ውን ክትውስኸሉ ትኽእል ኢኻ። ናይ መርበብ ሓበሬታ ገጻተይ ንኽትጥቀመሉ፡ መጀምርታ መእተዊ ጌርካ ክትኣቱ ኣሎካ።

መእተዊሓበሬታ(LOGGA IN)

እቲ ዝቐለለን ዝወሓሰን ኣገባብ መእተዊ ብናይ ባንክ መለልዪ ቁጽርኻ ምጥቃም እዩ። ንናይ ባንክ ቁጽሪ መለለዪ እንተዘይብልካ፡ ብኢመይልካን ናይ ውልቂ መእተዊኻን (ሎሲኖርድ) ፈጢርካ ሓድሽ መእተዊ ሕሳብ ክትከፍት ትኽእል ኢኻ።

መግለጺድሌታትካኣብሪጋዘለካቦታን

  • ኣብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ገጻተይ (ሚና ሲዶር)፡
  • መግለጺ ድሌታትካ ክትቆጻጸሮን ክትከታተሎን ትኽእል ኢኻ።
  • ንነፍሲወከፍ ተቐማጢ፡ ኣብ መንጎ እቶም ድሌታት ዝገልጹ ዘለው ኴንካ፡ ኣብ ሪጋ ዘላ እዋናዊት መስርዕካ ክትዕዘብ ትኽእል።
  • ክሳዕ እቲ መንበር ኣባይቲ እተወዓዋዓሉ፡ ዝበዝሐ ናይ ድሌታት ምግላጽ ተርእዮታት ድማ ይውሰኽ።
  • እዚ ማለት ኣብቲ ናይ ሪጋ ዘሎካ መስርዕ ኣቐዲሙ እተገብረ እዩ፡ እናተመራርሐ ውን ክቕየር ይኽእል።

ናይዕድመኣጋጣሚታትምዕዛብ

ካብ ማእከል እቶም ኣብ መንበር ኣባይቲ ድሌቶም ዝገለጹ ነዊሕ መስርዕ ዝጽበዩ እንተዄንካ፡ ናይ ምርኣይ ዕድመ ክንሰደልካ ኢና። ኩሉ ሓበሬታ ብዛዕና መርኣዪ ውን ኣብዚ ገጻት ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣሎ(Mina sidor)። ድሕሪ ነቲ ኣባይቲ ምርኣይካ፡ ኣብታ ተገዲስካላ ዘለኻ መንብር ቤት ጌና ድሌት ኣለካ ድዩ ወይስ የብልካን ሕቶታት ክትምልስ ከድልየካ እዩ። ነቶም ሕቶታት ኣብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ገጻተይ ክትምልሶም ትኽእል ኢኻ።

ሓበሬታትካኣሐድስ

ንሓበሬታ ናይ መጠን እታዊኻ ኣድራሻኻን ባዕልኻ ኢኻ ተሐድሶ። ከምእ’ውን ናትካ ሓበሬታ ናይ ኢመይልን ቁጽሪ ናይ ሞባይልካ ከም ዘሎና ውን ኣረጋግጽ፡ ስለዚ ናይ ምርኣይ ወይ ምዕዳም ወይ ድማ ካልእ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ክህሉ እንከሎ ብዝቐልጠፈ ምእንቲ ክንረኽበካ።

ናይመስርዕካግዜንናይሪጋኻክፍሊትን

ኣብ መጀመርታ ናይታ ናይ መርበብ ሓበሬታ ገጽ ማለት ገጻተይ (Mina sidor)፡ ናይ መስርዕካ/ሪጋኻ ግዜ ክትርኢ ኢኻ- እዚ ማለት ንመንበር ኣባይቲ ክትብል ማዕረ ክንደይ ኣብቲ ሪጋኻ ኔርካ ማለት’ዩ። ከምኡ’ውን ናይ ሪጋኻ ክፍሊት መዓስ ተኸፊሉ ክትርኢ ትኽእልን ከምኡ ድማ መዓስ እታ ናይ መወዳእታ ናይ ክፍሊት ሓበሬታ ተሰዲዳ ውን ክትርእኢ ትኽእል።

ተሓጋገዝቲሓተትቲ

ተሓጋገዝቲ ሓተቲ ምሳኻ ክትውስኾም ትኽእል ኢኻ። ተሓጋጋዚ ሓታቲ ምስኻ ክነብር ዝፈተወ እዩ። ጥቕሚ ናይ ተሓጋጋዚ ሓታቲ ምውሳኽ፡ ገለገለ ዋናታት ኣባይቲ ብሓባር ተሓጋጊዝካ ንክራይካ ክትከፍል ስለ ዘፍቅዱልካ እዩ። ኣብ ገለ ጉዳያት፡ ተሓጋገዝቲ ሓተትቲ ኣብቲ ትመልኦ ኮንትራት ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ።